Ermias Kidane Haileslasie
ኤርሚያስ ኪዳነ ሃይለስላሴ
25 ጥሪ 1981 – 15 ነሓሰ 2019
ኣቶ ኤርሚያስ ኪዳነ ሃይለስላሴ ካብ ኣቦኡ ኣቶ ኪዳነ ሃይለስላሴን ከምኡ፡ውን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣበባ ዑቕባገብርኤልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥሪ 25, 1981 ዓ.ም.ፈ. ተወሊዱ። ብንኡሱ ብክንክን ወለዱ ተሃኒጹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2ይ ደርጃ ትምህርቱ ኣጠናቒቑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከሎ በቲ ንኡስ ዕድሚኡ፥ በቲ ዝነበረ ኩኑታት፥ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ስድራ ቤቱ ተፈናቒሉ ናብ ኤርትራ ብ1999 ዓ.ም.ፈ. ኣትዩ፥፡ ኣብ ኤርትራ ከም ኩሉ ኤርትርዊ መንእሰይ ኣብ ሳዋ ኣገልግሎት ፈጺሙ ብድሕሪኡ ከኣ ንስደት ናብ ሱዳን ኣምሪሑ።
ካብ ሱዳን ብ 2003 ዓ.ም.ፈ. ኣብ Edmonton ምስ ኣልጋነሽን ሰናይትን ኣሕዋቱ ብዓቢ ሓጎስ ተጸንቢሩ።
ብ15 ነሓሰ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብዛ ዓለም ስጋብ ዝፍለ፥ ብፍቕርን ስኒትን ህይወቱ ይመርሕ ኔሩ፡፡ ብምሉኣት ስድራ ቤትን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከኣ በቲ ሰሓቑን ዕላሉን ጸወትኡን እናተዘከረ ክነብር ኢዩ።
May Ermias’s soul rest in peace and May God give strength to his family on this tough time.
Yordanos from Edmonton
ናይ ኤርምያስ ሞት ምስመዓኩ ኣስንብዱኒ እዩ ኤርምያስ ምሳባት ምሳባት ዘለዎ ሕውስነቱ ፍልዩ መለልዩ ባሕርዩ ኔሩ ብፍላይ ነብሱ ንምካል ኣብ ዝገብሮ ጽዓሪ ንመስቱ ኣርኣያ ኔሩ ናይ ኤርምያስ ጽቡቅ ነገሩ ጽብጺብካ ዝውዳ ኣይኮነን ክምዚ ዝመስለ ኣብ ንዑስ ዕድሜ ብሞት ክፍለየን ኮሎ መሪር እቲ ሓዘን ብፍለይ ንስድርኡ ዝከፈ ኣዩ።
ኩሉትና ጽባሕ ክንስዕቦ ኤና ንቶም ዘለው ስድራ ጽንዓት ያሓብኩም ንመዋቲ መንግስተ ስማያት የቀበሎ